ሀገራዊ አብ ኢንተርኔት ዓውደ መጽናዕቲ ( ዎርክ ሾፕ) ብዛዕባ ኣጸሓሕፋ ጽሬት ዘለዎ መመልከቲ
ንዝኾነ ስራሕ ንምድላይ እቲ ቐንዲ አገዳሲ ናይቲ ስራሕ አስራሒ ዘለዎ አረኣእያ ፈሊኻ ምርዳእ እዩ። አብዚ ቤት ዕዮ (ዎርክሾፕ) ስራሕ አስራሕቲ ናይ ስራሕ ማመልከቻ ከመይ ከምዘንብብዎ ብምርዳእ ናታቶም ድልየት ንምምላእ እንታይ ኣይነት ምድላዋት ክትገብሩ ከምዘለኩም ፍልጠት ክህልዎኩም ይገብር።
መመልከቲ ወረቐትን (résumé) ዝሽፍን ደብዳበታት (cover letter) ምድላው ዕዉታት ደለይቲ ስራሕ ፡ ግዜ ወሲዶም ኣስራሕቲ እንታይ ከም ዝደልዩ ይመሃሩ ። ካብቲ ንስራሕካ ንምድላይ ተባሒሉ ዝስራሕ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት: ንሓደ ስራሕ ክመርጽ ዝደሊ ኣስራሒ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ: እንታይ ከም እትፈልጥን እንታይ ከም እተቕርብን ተምሃር ። ኣስራሕቲ ንምስሓብን ዝያዳ ቃለ-መጠይቕ (Interview) ንምግባርን ፡ ክእለትካ ፡ ፍልጠትካን ኣየናይ ንብቕዓትካ ዝገልጽ መመልከቲ ወረቐትን (résumé) ዝሽፍን ደብዳበታት (cover letter) ተምሃር ።
Location:ብኢንተርኔት ዝግበር አኼባ፤ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ኣኼባ እቱይ ዓውደ መጽናዕቲ( ዎርክ ሾፕ) ቕድሚ ምጅማሩ 1 ስዓት ኣቐዲሚና ብኢመይል ክነፍልጠኩም ኢና
Zoom ኦንላይን Online) SignUp
Room:ZOOM – Tigrigna language
Contact Name:Giday, Taare
Contact Email:taare.giday@esd.wa.gov
Workshop Language Option:English
Additional Information:
English Power Point Presentation -Tigrinya explanations
ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ናብቲ ወርክ ሾፕ (Workshop) ከይድኩም ቕድሚ ምስታፍኩም ኣቕዲምኩም ናብ WorkSourceWA.com ብምኻድ ናይ ኢንተርኔት መለለዪ አካውንት ይኽፈቱ።
ቕድሚ ምምዝጋብኩም እውን እዞም ዝስዕቡ ነገራት ከምዘለኩም አረጋግጹ፤ ኮምፒዩተርን ናይ ኮምፒዩተር ሲስተም ከምኡውን ናይ ኢንተርኔት ሲስተም ክህልወኩም ይግባእ;
አብቲ ዝግበር ናይ ወርክ ሾፕ ናይ ቬዲዮን ናይ ብድምጽን ኮንፍረንስ ስለዝግበር ንዑዑ ንምግባር ዝኽእል ዘተኣማምን ናይ ኢንተርኔት WiFi ርክብ ክህልወኩም ይግባእ። ናብ ናይ Zoom ከመይ ገይርኩም ርክብ ከምትገብሩ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናቢዚ ይኺዱ https://zoom.us
ኣብዚ ናይ ተሳተፍቲ መዝገብ ዝርዝር ክህልወ እዩ። ሓደ ዝተመዝገብ ተሳታፋይ አብዘይርከበሉ እዋን ብቐጥታ ካብቲ መዝገብ እቱይ ቐጺሉ ዘሎ ተረኛ ተሳታፊ ክሳተፍ ኽግበር እዩ።
ኣብዚ ፕሮግራም ንኽትሳተፉ ክትምዝገቡ እንከለኹም፡ በጃኹም ኣብታ (Workshop) ንመጀመርታ እዋን ንምምዝጋብ ዝተጠቀምኩሉ ሓደ ዓይነት ስምን ኢመይልኩም ተጠቐሙ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስቶም ናይዚ ፕሮግራም መዳለውቲ ተራኸቡ።
ንዘደልይ ነገራት ዝምልከት ሕቶታት ጥራይ፡
ኣብዚ ዝዋሃብ ስልጠና ዘድልይ ሓገዝ ንምርካብ ምስ Giday, Taare, በዚ ዝስዕብ ኢመይል tgiday@esd.wa.gov ተራኸቡ። ንዘደልይ ነገራት ሕቶ ክተቕርቡ እንከለኹም በጃኹም ብዝተኻኣለ መጠን፤ እንታይ ከምትደልዩን፤ ስምኩምን ፤ ትነብርሉ ኸተማ ስም ብዝርዝር ኣቕርቡ።
– ምዝገባ የድልይ