
ሰላም ንኩሉኻትኩም
ሎሚ ናብ ሆስፒታል ሃርበርቪው ከይደ ንኣስመሮም በጺሔዮ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕይወቱ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ። ምስ መንፈሳውን ሕክምናውን ጕጅለኡ ብምምይያጥ ካህናት መጺኦም ንሕሙማት ዝገበር ጸሎት ኪጽልየሉን፡ ዘይቲ ፈውሲ ኽቕባእ ሓቲቶምእኒ። እምነቱ ሓቲተ ኦርቶዶክስ ከምዝኾነ ምስ ኣረጋገጽኩ ድማ ካህናት ብምውሳድ ዝድለይ ኣገልግሎት ከምዝረክብ ተጌሩ።
ኣተዓባብያኡ ምእንቲ ኽርድኦ ሒደት ተሌፎን ደዊለ እየ። ኣብ አስመራ ከምዝተወልደ፡ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን፡ ካብኡ ድማ ናብ ኣሜርካ ብምምጻእ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ይነብር ከምዝነብረ፡ ቈልዑ ኸም ዝነበርዎን ቅድሚ 17 ዓመት ካብ ሓዳሩ ተፈላልዩ ናብ ሲያትል ከም ዝመጸእ ክፈለጥ ኪኢለ።
ኣብ ሲያትል ን14 ዓመት ዚኣክል ኣብ ሾርልይን ዚርከብ መናበዪ ኣረጋውያን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ነረሲንግ ሆም ደዊለ ድማ ሓንቲ ትፈልጦ ጓል ረኺበ። ኣብቲ ነረሲንግ ሆም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዋላ ሓደ ሰብ ኸም ዘይበጽሖ ነጊራትኒ።
ናይ ጓሉ ቴለፊን እውን ረኪበ ድማ ደዊሊ ከዘራርባ ክኢለ፡፡ ንሳ ድማ እቲ ሆስፒታል ድሮ ኸም ዝረኸባ ንሳውን ናይ ኣቦኣ ኩነታት ከም እትፈልጦ ነጊራትኒ። ምስኡ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይብላን ክትሕግዞ ኸም ዘይትኽእል እውን ሓቢራትኒ። ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ብፌስታይም ኣቢልና ኣብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝተገብረ ጸሎት ክም ትሳተፍ ተጌሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንሕክምና ጉጅለ ግዜ ምስ ኣኸለ ዝዀነ ይኹን ሬሳ ናይ ሓውና ከይነድድ ንሆስፒታል ሓቢሮዩም እየ። እምነቱ ከምዝእዝዞን፡ ድሌቱን ከነኽብርን ከም እንደሊ ኣረጋጊጸሎም። በዚድማ ብጣዕሚ ኣመስጊኖም።
ስጋብ ሕጂ ዘሎኒ ሓበሬታ እዚ እዩ።
ፍጡር ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ክቡር እዩ። ንሰብ ብሰብነቱ ምስ ኣኽበርናዮ ድማ፡ ኣምላኽ ከኽብረና እዩ።
ኣምላኽ ነቲ ሓውና ኣስመሮም ምሕረት የውርደሉ!
ጸጋይ በ.